BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጐአን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ዓለምለኻዊ ስጕምቲ ዝጠልብ ጥርዓንን ስምዕታን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ ተካሲሰን እየን። ከምዚ ዝበለ ናብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ካልኦት ወሰንቲ ሃገራት ዝስደድ ደብዳበታትን መልእኽትታትን ግን እንታይ ትርጕምን ጽልዋን ይህልዎ? ግደ ማሕበረሰብ ዓለምከ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ
ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ኣርሲ፡ ወረዳ ሽርካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉ መሰኻኽር ዓይንን ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ህይወት 19 ቈልዑ ዘድሓነ ኤብሮ፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ሓበን ከም ዘሐጐሶ ገሊጹ
እዚ መንእሰይ፡ ነቲ ጅግንነታዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ብናይ ቍርኣን ጥቕስን 'ግሬይስ ኣናቶሚ' ዝተባህለ ናይ ሕክምና ተለቪዥን ድራማን ከም ዝተደረኸ ምዃኑ ብምሕባር፡ ልዕሊ ኵሉ ግን ነዚ ስጕምቲ ብምውሳዱ ንማሕበረሰቡ ብጽቡቕ መልክዕ ክውክል ብምኽኣሉ ፍሉይ ሓበን ከም ዝስምዖ ገሊጹ።
'ብወደብ ምጽዋዕ ንህወሓት ዝተመሓላለፈ ኣጽዋር ከም ዝማረኹ' ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ገሊጹ
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ መሪሕነት ህወሓት ናብታ ኣብ ደቡባዊ ኤርትራ እትርከብ ከተማ "መንደፈራ ኣትዮም ኣለዉ" ክብል እውን ተሰሚዑ።
ቀጥታ, ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት፡ ኣብ መኽዘናት ኣጽዋርን መወንጨፊ ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊጹ
ኣብ ሱዳን፡ ኣዛዚ ፍሉይ ስርሒታትን ፍሉይ ልኡኻትን ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝነበረ ሌተና ኮሎነል መሓመድ ኣዝራቕ ኣል-ፈንጃሪ፡ ምስ ኣስታት 300 ኣዘዝትን ወተሃደራትን 30 ናይ ውግእ መካይንን ብምሓዝ ካብቲ ጕጅለ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበረ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ናይ ቱርኪ ሓቢራ። እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌን ዞባ ቦረናን "እናተጋደደ ዝመፅአ መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሸሊኾም ምእታውን ኢ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት ምምሕዳርን" ኰኒኑ።
ኣፍሪቃ ኣብ ፍኖት ቍጠባዊ ሓርነት ድያ ትስጕም ዘላ?
ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ባህርያዊ ጸጋታተን ብጥረኡ ናብ ወጻኢ ካብ ምልኣኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገረን ብምምስራሕ ዝለዓለ ረብሓ ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ የካይዳ ኣለዋ። እዚ ኣብ ምሉእ እታ ኣህጉር ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ኢንዱስትርያዊ ምንቅስቓስ፡ ንኣፍሪቃ ብቝጠባ ርእሳ ናብ ምኽኣል ዘበጽሓ ሓድሽ ምዕራፍ ድዩ?
ኢትዮጵያ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ምኽረ-ሓሳባቱ ንህዝቢ ከየግሃደ ንፓርላማ ኣረኪቡ - ስለምንታይ?
ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑን ጠንቂ ግጭት ዝዀኑን ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝቘመ 'ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ'፡ እታ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ግጭታት ኣብ እትርከበሉ እዋን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ግዚኡ ዛዚሙ።
ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዝላባዕ ዘሎ ናዕቢ ከተማታት ፈረንሳ
እቲ ተርእዮ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ፈረንሳ፡ ገለ ካብቶም ዝኸፍኡ ትርኢታት ናዕቢ ከምዘስዓበ ተገሊጹ።
ንምንታይ ኢና ለይቲ ሰዓት 3:00 ካብ ድቃስና ንነቅሕ?
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ሓበሬታት ለይቲ ካብ ሰዓት 8፡00 (2፡00) ክሳብ 9፡00 (3፡00) ኣብ ዘሎ ግዘ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ድቃስና ከም ንነቅሕ የረድኡ። ጭንቀት፣ ሆርሞናት፣ መንፈሳዊ ምኽንያታት ወይ ልዑል ስግኣት ጥዕና ከም ጠንቂ ይጥቀሱ።
ኦፌኮ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ንዘጋጠመ ጐንፂ ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ነቒፉ
ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ጎንፂ ዘተአናገደት ጉዳይ ከተማ ሞያሌ ዝምልከት መንግስቲ ፌደራል "ሱቕታ ምምራፁ" ነቒፉ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ
ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ'ሎ፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018
ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ስለዝቐየሮ ንግዚኡ ተኾሊፉ ኣሎ።
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ኣብታ ዓቢይ ሃብቲ እንስሳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ዋጋ ስጋ ስለምንታይ ከቢሩ?
ኣብ ባህሊ መግቢ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ስጋ፡ ብሰንኪ ልዑል ዋጋኡ ካብ ኣመጋግባ ብዙሓት ሰባት ዝጠፍእ ዘሎ ይመስል። ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓጺር እዋን ዋጋ ስጋ ብቕልጡፍ ምውሳኹ ስዒቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዋጋ ድኳናት ስጋ ብምቅዋም ተቓውሞኦም ብምስማዕ ተጠቀምቲ ምግዛእ ደው ከብሉ ክላበዩ ተራእዮም።
ሕክምና መርጐዲ መትሎ ዘካይዱ ደቂተባዕትዮ ስለምንታይ ይበዝሑ'ለዉ - ጥቕሙን ጉድኣቱን?
ብመጥባሕቲ ሕክምና ወይ ብዘይ መጥባሕቲ መትሎ ንምዕባይ ዘኽእሉ ኣማራፂታት ኣለዉ። ኣብ መትሎ ዝውግኡ ንጥረ ነገራት'ውን ዝተፈላለዩ እዮም።
ሓይልታት ትግራይ ስለምንታይ ብቐሊሉ ተደፊኦም? ካብ በረኻታት ትግራይ ዝረኸብናዮ ምላሽ
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ፖለቲካን ነበርትን፡ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ። ካብ በረኻታት ትግራይ ድማ ምለሽ ረኺብና ኣለና፡ እንታይ ይብሉ?
ቀ/ም ኣብይ ኣሕመድ ንኤርትራን ህወሓትን ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንህወሓት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓሱ ከሲሱ፣ ከምኡ'ውን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂቡ "ኣዝዩ ከቢድ" ዝበሎ ሳዕቤናት ክመጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ብዛዕባ ሹመኛታት ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ትግራይ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነጀው ንብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቘፃፀረ መንግስቲ ፈደራል፡ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዝመርሕ ሞግዚት ምምሕዳር ከም ዘጣየሸ ብዓርቢ 06 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ትግራይ፡ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ደብረጽዮን ናብ ደብረጽዮን - ዳግማይ ኲናትን ዘይተመለሱ ሕቶታትን
እዞም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተራእዩ ምምሕዳራት/መንግስታት ዘራኽቦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንትግራይ ምምሕዳሮም ጥራሕ ኣይኰነን። ኵሎም ዘይተፈትሑ ጉዳያት ገዲፎም እዮም ኣብቂዖም። እምበኣር ነቶም ምምሕዳራት ብኸምዚ ዝስዕብ ዳህሲስናዮም ኣለና፤
ቅልውላው ትግራይ፡ ዘለዉ ምዕባለታት እንታይ ይመስሉ?
ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝለዓል እነሆ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ሓሊፉ ኣሎ። ኣብዚ ኵነታት፡ ብወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ብዙሓት ቅልጡፋት ምዕባለታት ተራእዮም ኣለዉ።
ትራምፕ ምስ ሩስያ ዝገበሮ ዘሰንብድ ሓድሽ ስምምዕ እንታይ እዩ?
ዶናልድ ትራምፕ ነዳዲ ሩስያ ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዝወሰኖ ሓድሽ ውሳነ፡ ካብቲ ፕረዚደንት ዝተራእየ ዘደንጹ ናይ መርገጺ ምልውዋጥ እዩ።
ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልቢ ሰማዕቱ እናሻዕ ዝውለድ ስነጥበበኛ
ንኣብርሃም ህይወቱ ኣብ ዝወሰደ ንደሴታት ናዅራን ጀሚለን ዝመቅል ጸቢብ መትረብ፡ ንፋስ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ወይ'ውን ብኣንጻሩ ኣብ ዝነፍሰሉ ግዜ፡ ማዕበል ከም ወሓይዝ'ዩ ዝመሓላለፈ። እቲ ብውሽጣዊ ማዕበል ዝናወጽ ቦታ ዝፈጥሮ ድምጺ ግን ድሕሪ 19 ዓመት'ውን እንተዀነ፡ ብልዕሊ ድምጺ ኣብርሃም ወጺኡ ክስማዕ ኣይከኣለን።
ማኦ ዜዶንግ፡ 'ጀነረሽን ዜድ' ንምንታይ በቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝዓረፈ 'መምህር' ክሳዕ ክንድዚ ይምሰጡ ኣለዉ?
ብኣረኣእያ ገሊኦም ሰብ-ሞያ፡ ገለ መንእሰያት ንማኦ ዝህብዎ ዘለዉ ሓድሽ ተገዳስነት፡ ምስ ከም ዘይምዕሩይነት ሃብትን ምንካይ ማሕበራዊ ዕድላትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ኣረኣእያ ዝተኣሳሰረ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ዝፈጠሮ ቅሬታ - ድሒሩ ካብ ዝተኣልየ ሓተታ
ሶማልያ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ ንኣዋጅ ኣል-ዓለሜን ምድጋፍ ዝወሰነቶ ውሳነ፡ ካብ ገለ ኢትዮጵያውያን ተንተንትን ሰበ-ስልጣንን ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ካብ ዘልዓሎም ነጥቢታት
ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዳግማይ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ክምዝዝ እንከሎ ካብ ዘልዓሎም ነጥብታት እንታይ እዮም?
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓደነትን ጐረባብተን ከኽብራ ኣለወን - ኣመሪካ
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕደን ከኽብራ ኣመሪካ ተማሕጺና። ኣፈኛ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
'ብህይወት ክንወፅእ፡ ተስፋ ኣይነበረናን' - ፍሉይ ቃለመሓትት ኮሎኔል ተወልደ ምስ ቢቢሲ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝርከቦም፡ መጀመርታ ኣብ መቐለ ተኣሲሮም ካብኡ ድማ ክሳብ ጫፍ ዶብ ምስ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝቐነዩ ኣርባዕተ ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ "ኣምሊጦም" ፡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ይርከቡ። ንኵነታቶም ዝምልከት ቢቢሲ ምስ ኮሎኔል ተወልደ ፍሉይት ቃለመሕትት ኣካይዱ'ሎ፤
ኤርትራ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጕምቲ ንኽወስድ ጸዊዓ
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኤርትራ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ኣዋጅ ኵናት" እዩ ብምባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ብመሰረት ዓንቀጽ 7" ስጕምቲ ክወስድን ሓቲታ።
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ 'ዓጸፋ ክምልሰሉ'የ' ዝበለቶ ምትእትታው 'ሕጋዊ ምስምስ' ኢላቶ
ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት እታ ሃገር ኢዱ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን ግዳማዊ ኣካል ተሪር ግብረ-መልሲ ከም ዝወርዶ ከተጠንቅቕ እንከላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብትሪ ብምንጻግ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኤርትራ ንምግጫው "ሕጋዊ ምስምስ" ትፈጥር ኣላ ክብል መሊሱ።
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ'፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ
ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።
'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ
ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።




























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





























































